……ንብጻይካ ኸኣ ከም ነፍስኻ ኣፍቕሮ
ሳልሳይ ክፋል ስምዒታዊ ብልሒ (Emotional Intelligence) ከኣ “ማሕበራዊ ንቕሓት“‘ ‘ዩ። “ማሕበራዊ ንቕሓት” ክንብል ከለና ካብ ገዛእ ርእስና ወጺና ስምዒት ካልኦት እንታይ ምኻኑ፡ ‘ታይ ይዀኑ ከም ዘለውን ክንርዳእ ዓቕሚ ክህልወና ከሎ ‘ዩ። መብዛሕትኡ ጊዜ ንዓና’ውን ‘ተዘይተሰመዓና፡ ሓሳባትን ስምዒት ካልኦትን ክንርዳእ ክንፍትን ከለና ዝኸውን ‘ዩ።
መብዛሕትና ከም ቆልዓ፡ ዓለም ኣብ ዙርያና ትዘውር ጥራይ ዝመስለና እዋን ብዙሕ ‘ዩ። ስለዚ ኣብ ናይ ባዕልና ስምዒትን ድሌትን ጥራይ ተቖሊፍና ናይ ምንባር ዝምባሌ ኣለና። ኣብ ውሽጢ ካልኦት ዝኸውን ከነቕልብን ክንርዳእን ዘለና ዓቕሚ ሒደት ‘ዩ። “ማሕበራዊ ንቕሓት” ከኣ ኩሉ ጊዜ ዕቱባት ክንከውንን ከነስተውዕልን ይቕስቕሰና።
ጥዑይን ሰረት ዘለዎ ርክብን ዝምድናን ክንምስርትን ንኽንሃንጽን፡ ካብ ገዛ ርእስና ሓሊፍና ብዛዕባ ካልኦት ክንሓስብ ኣለና። ንሰብ ክንዮ ተግባብርኡን ባህርያቱን ሓሊፍና፡ ስምዒታቱ ክንርዳእ ዓቕሚ ክህለወና ከሎ፡ ዝምድና ክንምስርት ቀሊል ‘ይኸውን። ብፍላይ ሰብ ኣብ ማእኸል ሕብረተሰብ ክነብር ከም ዝተፈጥረ፡ ብዘይ ዝምድናን ርክብን ክገብሮን ክበጽሖን ዝኽእል ኣዝዩ ድሩት ምኻኑ እንክርድኦ፡ ካብ ገዛእ ርእሱ ወጺኡ ናይ ምሕሳብ ዓቕሙ እናዓበየ ይኸይድ።
“ምስማዕ” ን “ምቕላብን” (listening and observation) ክልተ ሕመረት ማሕበራዊ ንቕሓት እየን። ብንጥፈት ክንሰምዕ ምስ እንደሊ፡ ኣብ ከባቢና ዝኸውን ዘሎ ከነቕልብ ኢልና ሒዝናዮ ዘለና ክንሓድ ይገብረና። ሰብ ክብለና ንደልዮ ካብ ምስማዕ ብምቑጣብ፡ ‘ቲ ሰብ ብሓቒ ዝብሎ ክንሰምዕ ክንፍትን ንጽዕት። ሰብ እናተዛረበና፡ ‘ታይ ክምልሰሉ ኢልና ብምሕሳብ ምስማዑ ክይንሽገር፡ ኣብ ርእስና ዝነፍስ ሓሳብ ደው ከነብል ንግደድ። ሰብ ሓሳቡ ብምልኣት መታን ክገልጽ፡ ብዙሕ ተዛረብቲ ካብ ምዃን ደው ከነብል ከም ዘለና ክንርዳእ የኽእለና። ሰብ ‘ናተዛረበ ከሎ ኣብ ሓሳብና ዀይኑ ዘሽካዕልል ሓሳብ ደው ከነብሎ ከኣ ንጽዕት።
መቸም መታን ክንፈልጥ ኢልና ብንቕሓት ክንሰምዕ፡ ናይ ተመሃራይ ልሳንን ንቑሓት ኣእዛንን ክህልዋና ኣለዎ። ዝተማህረ ጥራይ ‘ዩ ክርዳእን ክምህርን ዝኽእል። እዚ ማለት ካብ ናይ ባዕልና ተመክሮ ክንመሃር፡ ነገራት ክለዓል ከሎ ምስ ዝስምዓና ስምዒታት ክንዋሳእ ኣለና። ንሰብ ክንርዳኣሉ ገዛእ ርእስና ክንርዳ ከም ዘለና ንኹሉ ርዱእ ‘ዩ። ‘ቲ ኣቐዲምና ዝገለጽናዮ “ስምዒታዊ ንቕሓት” ን “ስምዒታዊ ምሕደራን” ከኣ ኣገዳስነት ነዚ ንዛረበሉ ዘለና ሓሳብ ዕዙዝ ይገብሮ።፡ “ማሕበራዊ ንቕሓት” መመላእታ (extension) ምርዳእን ንቕሓትን ገዛእ ርእስና’ዮም።
“ማሕበራዊ ንቕሓት” ክንብል ከለና ኣሳኣና ኣብቲ ናይቲ ካልእ ሰብ ከነእትዎ ክንፍትን ከለና ዝኸውን ‘ዩ። ናይቲ ሰብ ኣጠማምታን ሚዛንን ክንርዳእ የኽለና። ነዚ ኸኣ ተደናጋጽነት (empathy) ንብሎ። “ተደናጋጽነት” ማለት ከኣ ስምዒት ካልኦት ምርዳእ ማለት ‘ዩ። ከቢድ ክእለት ኳ ተዀነ፡ ልብና ኣውዲቕና እንተጺዒትና ክብጻሕ ዝኽእል ዓቢ ክፋል “ማሕበራዊ ንቕሓት” ‘ዩ። ኩሉ ዓርክና ንገብሮ ማለት ኣይኰነን። ዳርጋ ምስ ኩሉ ብቀሊሉ ክንዋሳእን ክንተኣሳሰርን ግና የኽእለና።
ምስ ሰባት ክንዋሳእ ከለና፡ ዝብልዎን ዝዀንዎን ካብኡ ሓሊፉ’ውን ድሕሪ ቃላቶም ዘሎ ስምዒት ክንርዳእ፡ ልምምድ (practice) ይሓትት። ከም በዓል ሰበ-ስበኛ (anthropologist) ሰባት ዝዀንዎ ክንርዳእ፡ ኣቃልቦ ዘለዎ ትዕዝብቲ ክንገብር ናይ ግድን ‘ዩ። እዚ ኸኣ ምስትውዓልን ጥንቓቔን ይሓትት። ክንግምት ከይፈተና፡ ጥበብ ዝተሓወሶ ሕቶ ብምሕታት ዘይተረደኣና ክንርዳእ ግድን ክዀነና ኣለዎ።
ብዙሕ ጊዜ ፍጻሜታት ኣብ ምቱርጓምን ቅኑዕ ፍርዲ ምሃብ፡ ተመክሮና ንኣጠማታና ኣዝዩ ይቐርጾ። ካብ ተሞኩረና ክንመሃር ኣዝዩ ጽቡቕ ‘ዩ። ‘ተዀነ ግና ተመክሮና ንኣረኣእያና ብምቕናን (biased)፡ ንነገራት ዘየድሊ ፍርዲ ክንህቦ ክይቐስበና ክንጥንቐቕ ኣለና። ንኹሉ ኣብ ሓደ ሳጹን ክንዓጽዎ፡ ብሓደ መስዀት ክንርእዮ ክንፍትን የብልናን። እዚ ከኣ ብሓቒ ብጽሕና ዝጠልብብ ምኻኑ ተረዲእና፡ ደረትና (limitation) ክንፈልጥ ብዙሕ ጌጋ ከይንገብር ይሕልወና።
ንምሳሌ፡- ጽሬት ሰሪሕና ንፈልጥ ተዀይና፡ እናጽረና ከለና ሰባት ክረግጽዎ፡ ኣሰር ኣሳእኖም ክገድፍ ከሎ ዝስምዓና ስምዒት ንዝክር ተዀይኑ፡ ኣብ ልዕሊ ጽሬት ዝሰርሕ ሰብ ዝህልወና “ተደናገጽነት”፡ ካብቲ ጽሬት ሰሪሑ ዘይፈልጥ ንልዓሊ ‘ዩ። በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ ንኹሉ ከምቲ ዝተሰምዓና ይስምዖ ‘ዩ ኢልና መደምደምታ ክንወስድ ቅኑዕ ኣይኰነን። ብትኽክል ክንፈልጦ ብንጥፈት እናሰምዓና ክንሓትት ኣለና።
ኣብዚ ክርድኣና ዘለዎ ሓደ ነጥቢ፡ ንድሌትን ስምዒታት ካልኦት ኣውንታዊ ዝዀነ ግብረ መልሲ ክንህብ ከለና ዝህነጽ ምትእምማን ስለ ዘሎ፡ ንዝዓበየ “ማሕበራዊ ንቕሓት” ኣፍደገ ይኸፍተልና። ሰብ ክንፈልጦን ክንርድኦን፡ ክፉት ዝዀነ ምቕርራብ ክህልወና ግድን ‘ዩ። ክፉት ምቕርራብ ዝዕምብብ ከኣ “ምትእምማን” ምስ ዝህሉ ‘ዩ። ማሕበራዊ ምድንጋጽን ንቕሓትን ከኣ ነዚ ንምህናጽ ዓቢ ተራ ይጻወት።
ብፍላይ ‘ኳ ደኣ ኣብ ስልጣንን መሪሕነትን ዘለው፡ ናብቲ ዝርእይዎ ሽቶን ምዕራፍን ክበጽሑ፡ ካብቶም ዝመርሕዎም ብሉጽ ክእለቶምን ዓቕሞምን ክብዝብዙ፡ ኣዝዩ ጥዑይ ዝኰነ ርክብ ክህልዎም ኣለዎ። እዚ ኸኣ ኣብ ዘለዎም “ማሕበራዊ ንቕሓት” ዝተሞርኰሰ ‘ዩ። ስምዒት ካልኦት ክፈልጡን ክርድኡን ኢሎም ክቓነዩ ከለዉ፡ ብእኡ መጠን ውሳኔኦምን ተግባብርኦምን ምስ ዝመጣጠን፡ ሓልዮቶምን ተገዳስነቶምን ግሉጽ ስለ ዝኸውን፡ ካብቶም ዝመርሕዎም ዝለዓለ ኣኽብሮት ክረኽቡ የኽእሎም።
ክንርድአ ዘላትና ሓንቲ ኣገዳሲት ነጥቢ፡ ካልኦት ዝስምዖም ክንልውጥ ስራሕና ኣይኰነን። ከምቲ ናትና ስምዒት ናትና ዝዀነ፡ ናይ ካልኦት ስምዒት ከኣ ናታቶም ‘ዮ። ናትና ተራ ክንርድኣሎም ጥራይ ‘ዩ። ናይ ምልዋጥን ናብ ጥዑይ ስምዒት ናይ ምፍላቕ ሓላፍነት ግና ኣባታቶም ምዃኑ ክንፈልጥ ኣለና። እዚ ኸኣ ካብ ዘይተደለየ ሃልኪ ይባልሃና። ንጹር ዝዀነ ዶብ ከኣ ክንገብር የኽእለና።
ንምሳሌ፦ መሳርሕትና ካልእ ዝገበሮ እናነገረና ከም ዝሓረቐ ክነግረና ይኽእል ‘ዩ። ኣብ ናቱ ስምዒት ክስሕበና፡ ክንሓርቕ ክገብረና ግና የብሉን። እገለ ብዝገበሮ ከም ዝሓዘነ ከም ዝተረድኣና ብምንጋር፡ ነጸብራቕ (reflection) ክንህቦ ዝከኣል’ዩ። ከመይ ጌሩ ክኣልዮ ከም ዘለዎ ክነማኽሮ ከኣ ጽቡቕ ዩ። ኣብ መፈጸምታ ግና ስምዒቱ ኣብ ምምሕዳርን ምእላይን፡ ናይቲ ሰብ ሓላፍነት ምኻኑ ክርድኣና ኣለዎ። እዚ ኸኣ ዓቐኑ ዝሓለፈ ጾርን ገበንነት ከይንስከም ይሕግዘና።