“ነውሪ” ቀጥታ ትርጉሙ “ምሽፋን፡ ምሕባእ” (to cover) ማለት እዩ።
- ሰብ ከይፈልጠልና ንሓብኦ፡ ንሽፍኖ ዘበለ፡
- ሰብ እንተፊሊጥዎ ክስምዕና ዝኽእል ሕፍረት፡ ሕስራን፡ ውርደት ብምሕሳብ ኣብ ውሽጣና ምስቃቅ ዝፈጥረልና፡
- ስለ ዝተደልጸ፡ ንግዳም ስለ ዝወጸ ኣዝዩ ዘጉሃየና፡ ውሽጣዊ ስብራት ዝፈጠረልና ዘበለ ኩሉ ከም “ነውሪ” ስለ ንርእዮ’ዩ።
ናብዚ ሓሳብ ኣዕሚቅና ቅድሚ ምእታውና ኣብ መንጎ “ነውሪ”(shame) ን “ገበነኛነት” (guilt) ዘሎ ፍልልይ ክንፈልጥ ኣገዳሲ’ዩ ምኽንያቱ ነዞም ክልተ ሓሳባት ሓደ ትሕዝቶ ከም ዘለዎም ጌርና እናለዋወጥና ስለ ንጥቀመሎም’ዩ።
- “ገበነኛነት” ማለት ናይቲ ዝገበርካዮ፡ ዝፈጸምካዮ፡ ጌጋ፡ ገበን፡ ዝስምዓካ ጣዕሳ፡ ጸጸት’ዩ። እዚ ድማ ምስቲ ግብሪ፡ ባህርይ፡ ጥራይ ዝተተሓሓዘ ስምዒት’ዩ። ክንክሕስ፡ ክንዕረ ኸኣ ድልዋት ኢና። እዚ ስምዒት መበገሲኡ፡ ኣብ ካልኦት ብዝገበርናዮ ግብሪ ይነቅል። ኣብ ካልኦት ዘለና ኣጠማምታን ድንጋጸን ድማ ናብ ጣዕሳን ንስሓን ይመርሓና።
ንጉስ ዳዊት ጫፍ ክዳን ንጉስ ሳኦል ምስ ቆረጸ ልቡ ከም ዝተወግአ፡ ሕማቅ ዝገበረ ስለ ዝመሰሎ፡ ገበነኛነት ተሰሚዕዎ። ጸኒሑ ኸኣ ስለቲ ዝገበሮ ንሳኦል ብምንጋር ጌጋኡ ክእርም ከም ዝፈተነ ይነግረና። 1ሳሙ24:4,5
- “ነውሪ” ማለት ግና ብባዕልና ኰነ ብካልኦት፡ ዘሕፍር፡ ጽዩፍ፡ ዘይግባእ፡ ዘዋርድ፡ ከም ዝተፈጸመ ክመስለና ከሎ ዝስምዕና ብርቱዕ ስምዒታዊ ቃንዛ’ዩ። እዚ ስምዒት እዚ ምስ ግብርና ዘይኰነ ምስ ኣጠማምታ ገዛእ ርእስና ዝተተሓሓዘ’ዩ። እዚ ኸኣ ኣብ ክንዲ ክንዕረ ንፍትን፡ ክንሕባእን ንኻልኦት ክንወቅስን ክንከስስን ይደፍኣና። “ነውሪ” ብዝገበርክዎ፡ ኣባይ ብዝዀነ ነገር፡ ሰባት ከመይ ይርእዩኒ፧ ኣነ ንርእሰይ ከመይ ይርእያ፧ ኣብ ዝብል ሕቶ ዝተንጠልጠለ’ዩ። “ነውሪ” ዝብለካ እንተሃልዩ “ኣይትጠቅምን፣ ኣይትረብሕን፡ ዘይቡቅዕ፡ ጽቡቅ ዘይብልካ፡ ዝብል ውሽጣዊ ስምዒት’ዩ።
ሓሳረይ ምሉእ መዓልቲ ኣብ ቅድመይ እዩ፣ ብሰሪ ድምጺ እቲ ጸራፍን ሐማይን፣ ብሰሪ ጻላእን ፈዳይ ሕነን ሕፍረት ገጸይ ሸፊኑኒ ኣሎ።መዝ44:15-16
ብቅልል ዝበለ ምሳሌ ክንርእዮ ከለና፡ ሕማቅ ስለ ዝገበርኩ “ገበነኛነት”፡ “ኣነ ሕማቅ፡ ዘይግባእ፡ ጌረ” ይብለኒ። “ነውሪ” ግና “ኣነ ሕማቅ፡ ዘይግባእ፡ ሰብ እየ” ይብል። ኣብ መንጎ እዚ ክልቲኡ ኣተሓሳስባ ዘሎ ፍልልይ ኸኣ ኣዝዩ ዓቢ እዩ።
“ነውሪ” ካብ ርእሰ-ማንነት (self identity) ዝሰፍሐ ዀይኑ፡ ምስ ዘለና ዝምድና ዝተኣሳሰረ’ዩ። ዝምድናዊ ቃና ኣለዎ ማለትና’ዩ። ዝገበርናዮ ኰነ ካልኦት ኣባና ብዝፈጸምዎ፡ ገዛእ ርእስና ኣብ ቅድሚ ካልኦት መዚና ክስምዕና ዝኽእል ውሽጣዊ ክብደት፡ ቃንዛ፡ ሕንከት፡ ኣሎ። ዝምድናዊ ቃና ኣለዎ ዘበለና ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚ እ/ሔር ኰነ ካልኦት ሰባት ዘይብቁዕነት፡ ስንክልና፡ ዘይተቀባልነት፡ ዋጋ ኣልቦነት ክስምዕና ስለ ዝገብር’ዩ።
ሰብ ካብታ ሓጢኣት ዝገበረላ እሞ የዒንቱ ዝተኸፍታ ኣትሒዙ፡ ርእሰ ኣቃልቦ (self consciousness) ክህልዎ ጀሚሩ። ኣዳምን ሄዋንን ሓጢኣስ ምስ ገበሩ እሞ የዒንቶም ምስ ዝተኸፍተ፡ “ጥርሖም ምኻኖም ፈሊጦም። ካብ እ/ሔርን ንሓድሕዶም ከኣ “ክሕብኡ” ፈቲኖም። እዚ ማለት ከኣ ካልእ (እ/ሔር ኰነ ከምኦም ፍጡር) ዕርቃኖም ይርእዮም ከም ዘሎ፡ ክርእዮም ከም ዝኽእል ስለ ዝተፈለጦም’ዩ። ነዚ እምበኣር እምብኣር ኢና “ነውሪ” ንብሎ። እዚ ስምዒት እዚ ኸኣ ናብ ኩሉ ዘርኢ ኣዳም ስለ ዝሓለፈ፡ ኩሉ ሰብ ስምዒተ ነውሪ ኣለዎ። ሮሜ 5:12
ዘፍ3:7,10 – “ሽዑ ኣዒንቲ ኽልቲኦም ተኸፍታ፡ ጥራዮም ምዃኖም ድማ ፈለጡ። ቈጽሊ በለስ ኣላጋጊቦም ከኣ ተዐጥቁ።…..ንሱ ኸኣ፥ ድምጽኻ ኣብ ገነት ሰሚዔ ፈራህኩ፡ ጥራየይ ከኣ እየ እሞ፡ ተሓባእኩ፡ በለ።
“ነውሪ” እምበኣር ካልኦት ይፍለጡ ኣይፍለጡ፡ ወሽጣዊ ዘይብቁዕነት፡ ዘይእኹል ምኻን፡ ጎደሎን ዘሕፍር ዘለዎን፡ ስምዒታዊ ቃንዛ እዩ።። እዚ ኸኣ ብካልእ ሰብን ኩነትን ክለዓዓል ይኽእል። እዚ “ነውሪ” ንብሎ ኸኣ ኩለንትናኻ ከም ዝተበላሸወ፡ ኢንታ ከም ዘለካ ኰይኑ ክስምዓካ ይገብር። ክትሕባእ፡ ከንተሳሕብ ክትደሊ ይደፋፍኣካ። ውሽጣዊ ትብዓትካን ሓቦኻን ይገፎ። በዚ ውሽጦም ዝተታሕዘ፡ ውሽጣዊ ቃንዛኦም ንምሽፋንን ንምርሳዕን፡ ንዝተፈለለየ ኣመል (addition) ይጋለጹ።
ሓንቲ ክንፈልጣ ዘለና ሓቂ እንተሃልያ፡ “ነውሪ” ዝበሃል ኣድማሳዊ’ዩ። መጠኑ ደኣ ይፈላለ እምበር ኩሉ ሰብ፡ ይረደኣዮ ኣይረደኣዮ፡ ይተመኣን ኣይተኣመን፡ ኣብ ውሽጡ “ነውሪ” ተሰኩሙ ይንቀሳቀስ። ካብቲ ዘገርም ከኣ ወለሓደ ክዛረበሉ ዝደፍር የልቦን። ከምቲ ቀዳማይ ኣቦና ኣዳም ዝገበሮ፡ ክንሕባእን ክንሽፍንን ዝቀለለ መገዲ ኰይኑ ይስምዓና።